


ብዛዕባና
ናይ ታሪኽ መኣዲ ትምህርቲ
ምስ ኣፈወርቂ ደሳለ ዝተባህለ ኣብ ኤርትራ ብዓውደ ትምህርቲ ስነ ታሪኽ ትምህርቱ ዝዛዘመ ኣስተምሃሪ ብምትሕብባር ኣብ
ታሪኽ ኤርትራ ዘተኰረ ሓደ ናይ ትምህርቲ መኣዲ ተነዲፉ። ብመሰረት ናይዚ ናይ ትምህርቲ መኣዲ ተሳተፍቲ ካብ
መጀመርታ ክሳብ ግዜ ናጽነት ዝኸይድ ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ይረኽቡ። ብተወሳኺ እውን መሰረታዊ ጂኦግራፍ፣ ብሄራትን
ልምድታትን ዝጠርነፈ ትምህርቲ ይቐርብ።
ሙዚቃ
ስሩዕ ዝኾነ ናይ ጃም ክፍለ ግዜ (Jam Sessions) ብምፍላይ ብሓባር ሙዚቃ ንምስራሕ።
ኣስተምህሮታት
ዝኾነ ሰብ ንማሕበረሰብና ዝምስጡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ጽማቝ ኣስተምህሮታት ንኽህብ መድረኽ ነቕርብ። ኣብ
ዝሓለፈ እዋናት ዛጊት ኣብ ባህላዊ፡ ታሪኻውን ፋይናንሳውን ኣርእስታት ዘተኰሩ ኣስተምህሮታት ከነቕርብ ክኢልና ኢና።
ዓውደ መጽናዕትታት
ከም ኣካል ናይቲ ዓውደ መጽናዕታዊ መደባትና፡ ኣባል ማሕበረሰብና ዝኾኑ ሰባት ሞያውን ተመኩረኣውን ክእለቶም የካፍሉ፡
ተሳተፍቲ ድማ ነቲ ዝተማህርዎ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ከወሃህድዎ ዕድል ይረኽቡ፡ ንኣብነት፣ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ
ብዛዕባ ስእልን ቪድዮን ዝነበረ ዓውደ መጽናዕቲ ዝረኸብናዮም ጥቅምታት።
ኣብ ህጻናትን መንእሰያትን ዘተኰረ ስራሕ
ሓደ ካብ ዕላማታት ማሕበርና ምሕያል ማሕበረሰብና ስለዝኾነ፡ ስግረ ወለዶኣዊ ፕሮጀክትታት ኣገደስቲ እዮም። ንኣሽቱን
ዓበይትን ዝራኸቡሉ፡ ካብ ነንሕድሕዶም ድማ ዝመሃሃሩሉን ሓሳባት ዝለዋወጡሉን ባይታ ክንፈጥር ንደሊ። እዚ ድማ ርክብ
ወለድን ውላድን፡ ፌስታ ህጻናትን ንመንእሰያት ዝኸውን ንጥፈታትን የጠቓልል።
ናይ ቋንቋ መኣዲ ትምህርቲ
ኣብ ምጽሓፍን ምንባብን ፊደላት ግዕዝ ዘተኰረ መኣዲ ትምህርቲ። እቲ ንድፊ ብኣስተርጓማይ ናትናኤል ዳኒኤልን በዓልቲ
ሞያ ምምህርና ንግስቲ ክኖስፐን ዝተዳለወ እዩ። ብኣቶ ቦክረጽዮንን ካልኦትን ዝሰልጠኑ እዮም።
ሓገዝ ሰንበት
እዚ ትሮጀክት እዚ ተራኣይነት ኤርትራውያን ኩባንያታትን/ዉልቀሰባትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንምዕባይ ዝዓለመ
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብስሩዕ ፈነወ ዝሰድድ እዩ።